Fana: At a Speed of Life!

ብልፀግና ኣብ ምፍራይ ብቑዓት መራሕቲ ከምዝተግህ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ጉዕዞ ምዕባለ ንኢትዮጵያ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ካብ ምምምፃ ሓሊፉ ብቑዓት መራሕቲ ኣብ ምፍራይ ከምዝተግህ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ከም ኣሞራ ሩሑቕ ዝእምቱ፣ ካብ ቀንዲ ዕላመኦም እንተይተዛብዑ ሽቶኦም ዝወቕዑ፣ ብትግሃት ኣሰሮም ኣንቢሮም ዝሓልፉ መራሕቲ ብሩህ ፅባሕ ከምዝሓልሙ ገሊፆም።

ካብ ንፅል ርእሰ-ጉዳይ ብዝበለፀ ሙሉእ ሰፊሕ ሓሳብ ዘቐድሙን ካብ ፀገም ንላዕሊ ጎሊሆም መፍትሒ ዘፈልፍሉ ዜጋታት ክቡራት ሃፍቲ ሃገር ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።

ማሕለኻታት ሓሊፎም፣ ምውዳቕን ምትሳእን ተፃዊሮም ዓወት ዘመዝግቡ ብርቱዓት መናእሰይ፥ ናይ መፃኢት ኢትዮጵያ መሃንዲሳት ከምዝኾኑ ገሊጾም።

ኢትዮጵያ እውን ነዓዓቶም ሒዛ ንደሓር ኣብ ዘይብል ጫፈ ዓወት ክትበፅሕ ኢያ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.