Fana: At a Speed of Life!

ብሓደጋ ትራፊክ ህይወት 5 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባ ካፋ ወረዳ ጊምቦ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 5 ሰባት ምሕላፉ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓደጋ ኣብታ ወረዳ ጣቢያ ቢጣ ጨጋ ከባቢ ዳራ ትማሊ ኣጋምሸት ሰዓት 8፡30 ዘጋጠመ ዝኾነ ሓበሬታ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል የመላኽት፡፡

ናይ ደረቕ ፅዕነት ተሽከርካሪት ምስ በዓልቲ ሰለስተ እግሪ ተሽከርካሪት (ባጃጅ) ብምግጫዋ ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

በቲ ሓደጋ ኣብታ ባጃጅ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት ሽዑ ንሽዑ ህይወቶም እንትሓልፍ÷ ሓንቲ ሰበይቲ ከቢድ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ንሕክምና ናብ ጅማ እናተጓዓዛ እናሃለዋ ህይወተን ከምዝሓለፈ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.