Fana: At a Speed of Life!

ብሓደጋ ድርቂ ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት ቅልጡፍ ምላሽ ሓገዝ ንመሃብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዝረአ ሓደጋ ድርቂ ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት ቅልጡፍ ምላሽ ሓገዝ ንመሃብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣገንዚቦም።

ኮሚቴ ብሄራዊ ምክልኻል ሓደጋን ድልውነትን ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፥ ኣካላት ኣፈፀምቲ ኣብ ከይዲ ህፁፅ ኣወሃህባ ሓገዝ ዘርአዩዎ ቅልጡፍ ምላሽን ዝተዋደደ ኣመራርሓን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣንፈት ኣቐሚጡ፡፡

ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ዝኾኑ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብቲ ኣኼባ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝስትውዓል ሓደጋ ድርቂ ጉድኣት ንዝበፅሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ቅልጡፍ ምላሽ ሓገዝ የድልዮም፡፡

ቅድም ኣብ ዝበሉ እዋናት ኣፈፀምቲ ኣካላት ህፁፅ ሓገዝ ንዘርአዩዎ ዝተዋደደ ርብርብ ብዝሓሸ ትኹረት ሓደጋ ድርቂ ጉድኣት ንዝበፅሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ቅልጡፍ ምላሽ ክረኽቡ ከምዝግባእ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣተሓሳሲቦም፡፡

እቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ብዘቐመጦም ኣንፈታት ኣብ ቀረብን ዝርገሐን ሓገዝ ህፁፅ እዋን ዝረአዩ ፀገማት ዘላቒ ብዝኾነ መልክዑ ብምፍታሕ እቲ ምላሽ ሓገዝ ናይ መወዳእታ ተጠቀምቲ ማእኸል ዝገበረ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣፈፀምቲ ኣካላት እቲ ኮሚቴ ዘርአዩዎ ቅልጡፍ ምላሽን ዝተዋደደ ኣመራርሓን ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ኣንፈት ተቐሚጡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.