Fana: At a Speed of Life!

ብሚኒስትራት ዝተመርሑ ዝተፈላለዩ ልኡኻት ስራሕቲ ልምዓት ይዕዘቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ፌደራል ዝተመርሑ ዝተፈላለዩ ናይ ክትትልን ድጋፍን ጉጅለ ልኡኻት እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ይዕዘቡ ኣለዉ።

ብሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ዞባ ከምባታ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓትን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋቸመ ካምፓስ ዱራሜን ምንቅስቓስ ስራሕ ተዓዚቡ፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን÷ ስራሕቲ ትሩፋት ሌማት ብምስፍሕፋሕ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ብትግሃት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብተመሳሳሊ ብሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ኣብ ምርባሕ እንስሳ ናይ ዝተዋፈ ሰበኽ ስራሕቲ ሳግም ተመልኪቶም።

ኣብቲ እዋን ድማ ሰበኽ ሳግም ካብ ባህላዊ ሜላ ምርባሕ ብምውፃእ ብዘበናዊ መገዲ ክሰርሕ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ኣብቲ ዓውዲ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ሞያዊ ሓገዝ ንኽገብሩ ሓቲቶም፡፡

ብሚንስትር  ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ድማ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ወረዳ ነጌሌ ኣርሲ፤ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ልምዓት ስርናይ ሓጋይ፣ ምርባሕ ከፍቲ፣ ግልጋሎት ዜግነት ሓዊሱ ንህዝቢ ተጠቀምቲ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.