Fana: At a Speed of Life!

ብምኽኒያት ቫይረስ ኮረና ብብርኪ ሃገር ኣብያተ ትምህርቲ ን15 መዓልታት ክዕፀዉ ኢዮም- ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ቫይረስ ኮረና ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንዝቕፅሉ 15 መዓልታት ብብርኪ ሃገር ኣብያተ ትምህርቲ፣ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን ኣኼባታትን ከምዝዕፀዉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

ኣኼባታት ብዝምልከት ግድን እንተኾይኑ፥ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍልጦ ብምሃብ ክትትል እናገበረሎም ከምዝካየዱ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ትምህርቶም ከየቋረፁ ኣብ ዘለውዎ ብምዃን ኣድላዪ ክትትል ከምዝግበረሎም እውን ሓቢሮም።

እታዎታት መከላኸሊ እቲ ቫይረስ ብዝምልከት፥ ሳሙናን ኣልኮልን ሓዊሱ ካልኦት ናይ ንፅህና መከላኸሊ ንዋታት ብበዝሒ ከምዝከፋፈሉ ኣፍሊጦም።

እቶም ኣቕሑት፥ ሰባት ብቐሊሉ ኣብ ዝረኽብዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከምዝቕመጡ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ብቫይረስ ኮረና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ሓሙሽተ ከምዝበፅሐ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ሓምሻይ ውልቀ ሰብ ካብ ዱባይ ዝመፅአ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ትራንስፖርት ዘሎ ምጭንናቕ ንምቕናስ ናይ መንግስቲ ተሽከርከርቲ ሓገዝ ክገብሩ ኢዮም ኢሎም።

ብዙሓት ተሽከርከርቲ ዘለውዎም ኩባኒያታት ሓገዝ ንኽገብሩ እውን ፀዊዖም።

ትካላት ሃይማኖት፥ ምእመናን ዝእከቡሎም ስፍራታት ብጥንቃቐ ክርእይዎም ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምክረ ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፈ ፈላማይ ጃፓናዊ ውልቀ ሰብ ከምዘመዝገበት ይዝከር።

ምስቲ ውልቀሰብ ንኽክእ ነይሩዎም ተባሂሎም ምርመራ ካብ ዝተገበረሎም ሰባት ድማ ካልኦት ሰለስተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣፍሊጡ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.