Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት ህወሓት ዝኸቶ ኲናት ኣብ ከባቢ መስሕባት ቱሪዝም ዘነብሩ ነበርቲ ልዕሊ 67 ሚሊየን ብር ከምዝሰኣኑ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታ ሰሜን ብምኽንያት ኲናት ካብ በፃሕቲ ዓዲ ክረኽቦ ዝነበረ 7 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ከምዝሰኣነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን ሰላማዊት ካሳ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታ ሰሜን ብምኽንያት እቲ ኲናት ፍሰት በፃሕቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብምቁራፁ ክረኽቦ ዝኽእል 7 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ከምዝሰኣነ ገሊፀን፡፡

ብዋንኡ ድማ ናብርኡ ኣብ በፃሕቲ ንዝገበረ ነባሪ እቲ ከባቢ 36 ሚሊየን ዝፅጋዕ ኣታዊ ስኢኑ ኢዩ ኢለን እተን ሚኒስትር ዲኤታ፡፡

እዚ እውን ማሕበራዊ ቅልውላው ከምዘስዕብ ይፍለጥ ኢዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ መላእ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵየውያንን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምንቅስቓስ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣግንዚበን፡፡

ብኻሊእ መዳይ ዝተፈላለዩ ሕሉዋት ከባቢታት ማሕበረሰብ በቲ ግብ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ከምዝበፅሖም ኣብሪሀን።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ሕሉው ከባቢ ጋሳ ማሕበረሰብ መንዝ፣ ብሄራዊ ፓርክ ወረሂመኑ ቦረና ሳይንትን ሕሉው ከባቢ ማሕበረሰብ ጉናን ኣቡነ ዮሴፍን ከም ኣብነት ፀሪሐን፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ሓድጊታት፣ ናይ እምነትን መስሕባትን ጉድኣት ከምዝበፅ ዝገለፃ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላማዊት ካሳ፥ ክሳብ ሕዚ ብብሰብ ሞያ ብዝተገበረ ምፍላይ ኣብ ልዕሊ 6 ትካላት ሃይማኖት፣ 22 ኣገልግሎት መውሃቢ ቱሪዝምን ክልተ ትካላት ባህሊን ዕንወት ምብፅሑ ኣብሪሀን።

ኣብ ዉቑር ኣቢያተክርስቲያን ላሊበላ ዝበፅ ጉድኣት ዝርዝር መፅናዕቲ ከምዝግረበሉ እውን ገሊፀን።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ልዕሊ ባህላዊ፣ ትካላት እምነት፣ ሃፍቲ ተፈጥሮን መሰረተ ልምዓታትን ጉድኣት ዝበፅሐ እንትኸውን፥ እዚ እውን ተወሳኺ መፅዕቲ ዘድልዮ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ኣብቲ ክልል ካብ መስሕብ ቱሪዝም ክርከብ ዝነበረ 25 ሚሊየን ብር ብምኽንያት እቲ ኲናት ከምዘይተረኸበ ኢየን ዝገለፃ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.