Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት ኲናት ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃእ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ የትምህርቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ሓይሊ ጥፍኣት ህወሓት ብዝፈጸሞ ወራር  ካብ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃእ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ቅድሚ ወርሒ ብዝነበረ መረዳእታ ክሳብ 12 ክፍሊ ዘምህሩ ልዕሊ 1 ሺሕን 600 ዝኾኑ ኣቢያተ ትምህርቲ ጉድኣት ከምዝበፅን 300 ዝኾኑ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነዉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብሪሆም።

እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ብዝኸፈቶ ኲናት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲታት ሓዊሱ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ስራሕ ጠጠው ከምዘበሉ ይፍለጥ፡፡

ኣብቶም ትካላት ትምህርቲ ዝርከቡ ተምሃሮን መምህራንን ናብ ካልኦት ዩኒቨርሲቲታት ናይ ምምዳብ ስራሕ ከምዝተሰርሐ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፆም፡፡

ሚኒስቴር ትምህርቲ ብምኽንያት እቲ ኲናት ዝዓነዉ ኣቢያተ ትምህርቲ ናብ ንቡር ትሕዝቶኦም ንምምላስ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም፡፡

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.