Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት ኲናት ካብ ዩክሬን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምስጋር ዝፍትኑ ኣፍሪካውያን ፅንቶ ዘርኣውነት ይበፅሐና ኣሎ ኢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኲናት ሩሲያ – ዩክሬን ፈሪሖም ካብ ዩክሬን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምስጋር ዝፍትኑ ኣፍሪካውያን ብምሕብሪ ቆርበቶም ንቶ እናበፅሖም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብ ኲናት ብምህዳም ካብ ዩክሬን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንምውፃእ ኣብ ዝፈተኑ ሓደሓደ ኣፍሪካውያን መጥቃዕቲ ዘርኣውነት እናተፈፀሞም ከምዝኾነ ኢዮም ገሊፆም ዘለዉ።

ኢስቲዋኒያት ዝኾነት ቭክሌ ድላምኒ ካብ ዩክሬን ናብ ሮማንያ ንምስጋር ብዝገበረቶ ጉዕዞ ኣዚዩ ፈታኒ ፅዕንቶ ዘርኣውነት ከመዘተኣናገደት ትዛረብ፡፡

“ፖላዊስ መሳርሒ ብምፅማድ ኣብ መገዲ ክሳብ ምፍርራሕ ተግባር ዝበፅሐ ፅዕንቶ ኣብፂሆምለይ” ኢላ።

ናይጄሪያዊ ቪክቶር ኤልድረድ ብግድኡ፥ ካብ ልቪቭ ንምውፃእ እንትንፍትን ንዩክሬናውያን ጥራሕ ባቡር ተፈቒዱ ንሕና ግን ባቡር ስለዝተኸልከልና ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት አየር ብዙሕ ምንግልታዕ በፂሑና” ክብል ገሊፁ።

ነዊሕን ኣፀጋሚን ጉዕዞ ተፃዊሮም ኣብ ስሎቫኪያ ይብፅሑ እምበር መንግስቲ ናይጄርያ ክሳብ ሕዚ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ከምዘይገበረሎም ተዛሪቡ፡፡

ኣብ ዩክሬን ዝመሃሩ ኣፍሪካውያን ቁፅሮም ልዑል ከምዝኾነ ይዝረብ፤ ምስ ካልኦት ኣህጉራት እንትነፃፀር ድማ 20 ሚኢታዊ ከምዝሽፍን ኣናዶሉ ፀብጺቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.