Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት ፀባይ ኣየር ተቛሪፆም ዝነበሩ በረራታት ውሽጢ ዓዲ ስረሖም ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ብቕድሚ ትማሊ ጀሚሮም ብምኽንያት ፀባይ ኣየር ተቛሪፆም ዝነበሩ በረራታት ውሽጢ ዓዲ ስረሖም ምጅማሮም መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር እም በረራታት ብምቁራፆም ዓማዊል ምንግልታዕ ከምዘጋጠሞም ገሊፁ።

ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም በረራታት ንኽተኣጓጎሉ ምኽንያት ኮይኑ ዝነበረ ፀባይ ኣየር ብምስትኽኻሉ፥ ተወሰኽቲ ኣውሮፕላናት ብምምዳብ ምትእጉጓል ዘጋጠሞም ዓማዊል ንምትእንጋድ ከምዝሰርሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣብሪሁ።

ብመሰረት እዚ ድማ ካብ ትማሊ ጀሚሩ በረርኡ ከምዝቐፀለ ኣፍሊጡ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፥ ብቅድሚ ትማሊ ናብ መቐለ፣ ኣኽሱም፣ ሽረ፣ ሑመራ፣ ጎንደር፣ ላልይበላን ክገብሮም ዝነበረ በረራታት ብምኽንያት ኣፀጋሚ ፀባይ ኣየር ኣቋሪፁ ከምዝነበረ ይዝከር።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.