Fana: At a Speed of Life!

ብሪታንያ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ደገፍ 5 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፓውንድ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ብሪታንያ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ደገፍ 5 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፓውንድ ገይሩ።

እቲ ደገፍ ብቀይሕ መስቀል ብሪታንያን ቀይሕ መስቀል ኔዘርላንድስን ኣቢሉ ዝተገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ኣተሓላልዋ ጥዕና፣ ፅሩይ መስተ ማይን ኣተሓላልዋ ንፅህናን ጠመተ ንዝገበሩ ፕሮጀክትታት መፈፀሚ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሰነድ ስምምዕነት መፈፀሚ እቲ ፕሮጀክት፥  ፕሬዚዳንት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣበራ ቶላን ኣምባሳደር ብሪታኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልሽን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ፓውንዱ ብገንዘብ ዝተረፈ ድማ ብቴክኒክ ደገፍ ዝግበር ኢዩ ተባሂሉ።

ልዕሊ 5 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፓውንድ ተወሳኺ ነቲ ፕሮጀክት ንምሕጋዝ ዘገልግላ 10 ተሸከርከርቲ ደገፍ ተገይሩ።

ብፍቅርተ ከበደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.