Fana: At a Speed of Life!

ብራዚላውያን ተፃወትቲ ዓሌትነት ንምቅዋም ፀሊም ማልያ ተኸዲኖም ናብ ሜዳ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኣንፃር ጊኒ ኣብ ዘካየድዎ ምሕዝነታዊ ፀወታ ኩሎም ፀሊም ክዳን ብምልባስ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ንዝረአ ‘ዓሌትነት’ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊፆም።

ተፃወትቲ እታ ጋንታ ኣብ ቀዳማይ እብረ ፀዋታ፥ ፀሊም ጥራይ ተኸዲኖም ዝኣተዉ ዀይኖም ኣብ ካልኣይ እብረ ድማ መፍለዪ ጋንታ ብራዚል ዝዀነ ብጫ ብሰማያዊ ዝደመቐ ማልያ ተኸዲኖም ተመሊሶም።

ኣብቲ ኣብ ባርሴሎና ዝተኻየደ ምሕዝነታዊ ፀወታ ብራዚል ኣንፃር ጊኒ 4ብ1 ተዓዊታ።

ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኣባል ጋንታኣ ዝዀነ ቪኒስየስ ጁንየር ብተደጋጋሚ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ምስ በፅሖ ን”ዓሌትነት ቦታ የብልናን” ዝብል መልእኽቲ እያ ኣመሓላሊፋ ከም ፀብፃብ ቢቢሲ።

ወዲ 22 ዓመት ኮኾብ ተፃዋታይ ቪኒሲየስ ጁንየር፥ ኣብ ስፔን ምስ ክለብ ርያል ማድሪድ ኣብ ዝፃወተሉ እዋን ሕብሪ ቆርበቱ መሰረት ዝገበረ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ይወርዶ ምንባሩ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.