Fana: At a Speed of Life!

ብሰንኪ ኲናት ኣብ ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ ዘጋጠመ ስነ ልቦናዊ ማህሰይቲ ንምቕራፍ ዝዓለመ ስልጠና ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ግንቦት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኲናት ኣብ ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ ዘጋጠመ ስነ ልቦናዊ ማህሰይቲ ንምቕራፍ ዝዓለመ ስልጠና ተዋሂቡ።

ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ብዘጋጠመ ኲናት ስዒቡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ሰራሕተኛታት ሴክተር ኢንዱስትሪ ንዘጋጠመ ስነ ልቦናዊ ጉድኣት ብምቕራፍ እቲ ሰራሕተኛ ናብ ንቡር ስርሑ ንኽምለስ ዝሕግዝ ስልጠና ኢዩ ተባሂሉ።

ዝገብር ስልጠና ብምክትል ፕሬዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤን ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪ ትግራይ ዶ/ር ገ/ሂወት ዓገባን ዝኸፈትዎ ቀዳማይ ዙር ስልጠና ካብ ጉንበት 13 ክሳብ 16 /2015 ዓ/ም ኣብ ከተማ ውቕሮ ተኻይዱ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳርን መተሓባበሪ ክላስተር ዘይተማእኸለ ምምሕዳርን ዴሞክራታይዘሽንን ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ፥ “እዚ ስልጠና ኣብ መንጎ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዘሎ ፅቡቕ መሰረት ዘለዎ ርክብ ውፅኢ ኢዩ” ኢሎም።

ብፍላይ ካብ ኩለን ሴክተራት ብቐዳምነት ዝወሃብ ዘሎ ስለዝኾነ ፍሉይ ክብርን ኣድናቖትን ከምዘለዎም ገሊፆም።

ሰራሕተኛታት ካብቲ ጉድኣት ተላቒቖም ናብቲ ነባራዊ ስራሕቲ ንኽምለሱ ብዙሓት ስልጠናታት የድልዩ ኢዮም ኢሎም
እቲ ሐዚ ዝተውሃበ ስልጠና ከም ዓቕሚ ብምጥቃም መፍረይቲ ትካላት ቀልጢፎም ናብ ስራሕ ንኽኣትውን ፀገማት ብኣግባቡ ክፍለዩን ክፅንዑን ስለዘለዎም ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድሕሪ ‘ቲ ስልጠና ካብ ሰልጠንቲ ብዙሕ ከምዝፅበ ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ስልጠና ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ገ/ሂወት ዓገባ፥ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ሕቶ ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ተቐቢሉ ኣብ ሓፂር እዋን ነቲ ስልጠና ምድላው አመስጊኖም።

ሰራሕተኛታት ድሕሪ እቲ ስልጠና መፍረይት ብዝኸኣሉዎ ደረጃ ቀልጢፎም ናብ ስራሕ ንኽምለሱ ንምግባር ዝለዓለ ርብርብ ክገብሩ ፀዊዖም።

ተወካሊ ዋና ዳይሬክተር ልምዓት ኢንተርፕራይዛት ኢትዮጵያ ኣይተ ከላሊ ወ/ገብሪኤል፥ ትግራይ ካብቲ ቅድሚ ኩናት ዝነበረቶ ንላዕሊ ኣብ ምህናፅ ግደ ሰራሕተኛታት ዝለዓለ ከምዝኾነን እቲ ስልጠና ‘ውን ነዚ ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነን ገሊፆም።

እቲ ኣብ ሰራሕተኛታት ቢሮ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ካልኣይ ዙሩ ኣብ ወረዳታት ንዘለው ሰራሕተኛታት ከምዝቕፅል ገሊፆም ክብል ኣብ ኤጀንሲ ልምዓት ማኒፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.