Fana: At a Speed of Life!

ብስራሕቲ ህፁፅ ምክልኻል ግዕዝይና ልዕሊ 4 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብስራሕቲ ህፁፅ ምክልኻል ግዕዝይና ልዕሊ 4 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል ኣፍሊጡ፡፡

በዓል ሞያ ርክብህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ በለጠ ብርሃኑ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብቲ በጀት ዓመት ህፁፅ ክትትል ምክልኻል ግዕዝይና ብምግባር ግዕዝይና ከይፍፀምን ሃፍቲ ከይባኽንን ናይ ምግባር ስራሕ ተሳሊጡ፡፡

ዝተረኸበ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር እውን ከይዲ ምፍፃም ግዕዝይና ክቋረፅ፣ ተሓታትነት ክረጋገፅን እቲ ተግባር ንቀፃሊ ትምህርቲ ክኸውን ስራሕቲ ምሃብ ግንዛበን ከምዝተሰርሐ ኣብሪሆም፡፡

ብምዃኑ እቲ ኮሚሽን ቅልጡፍ ስርዓት ኣሰራርሓ ዘርጊሑ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2015 ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብዝተወገነ ስራሕቲ ህፁፅ ምክልኻል ግዕዝይና ልዕሊ 4 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኣይተ በለጠ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.