Fana: At a Speed of Life!

ብሽይጣት መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ኣብ ዝለምዕ ዲዛይን ዓለም-ለኸ “መካነ-ቅርስ” ጢያ  ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ብሽይጣት መፅሓፍ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝኾነ “የመደመር ትውልድ” ኣብ ዝለምዕ ዲዛይን ዓለም-ለኸ “መካነ-ቅርስ” ጢያ  ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ሆሳኢና ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ እቲ መድረኽ ዘተ፥ መክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣተሓባበርቲ ክላስተር፣ ኣባላት ቦርድ እቲ መካነ-ቅርሲን ኣማኸርቲ ትካላትን ተረኺቦም።

ኣይተ እንዳሻው፥ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) “የመደመር ትውልድ” ካብ ዝተብሃለ መፅሓፎም ሽይጣት በዝርከብ ኣታዊ ዓለም ለኸ መካነ ቅርሲ ጢያ ንምልማዕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እዚ ንምግባር ሃፍቲ ናይ ምትእኽካብ ስራሕ ቅድም ኢሉ ከምዝተሳለጠ አወን ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣመራርሓ ቦርድ ተሰይሞም ስርሖም ዝጅምርሉ እዋን ምዃኑ እውን ምግላፆም ኣብ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.