Fana: At a Speed of Life!

ብሽፋን ሃይማኖት ጎንፂ ብምልዕዓል ድሌት ፀረ-ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሓይሊታት ንምዕዋት ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ስጉምቲ እናተወሰደ ምዃኑ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ድሕንነትን ፀፅታን ፌዴራል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ማዕኸል ጎደር ከተማ ጎንደር ምስ ቦታ ቀብሪ ተተሓሒዙ  ኣብ ሞንጎ ተኸተልቲ እምነት ክርስትናን እስልምናን ዝተቐስቀሰ ጎንፂ መበገሲ ብምግባር ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ብሽፋን ሃይማኖት ጎንፂ ብምልዕዓል ድሌት ፀረ-ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሓይሊታት ንምዕዋት ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ስጉምቲ እናተወሰደ ምዃኑ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ድሕንነትን ፀፅታን ፌዴራል ኣፍሊጡ።

እቲ ሐበራዊ ግብረ ሓይሊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ፀረ-ኢትዮጵያ ዘሰጉሙ ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ውሽጢን ወፃኢን ብሄር መሰረት ዝገበረ ናይ ፅልኢት ኣጀንዳ ብምግዋሕ እታ ሃገር ናብ ናዕቢ ንምእታው እናገበሩ ከምዝነበሩ ገሊፁ፡፡

“ሕብረተሰብ ንዓመታት ዝሃነፆ ሓራዊ ዝኾነ ክብሪ ነቲ ፈተነ ዝፈሸሎም እቶም ሓይሊታት፥ ዝተረፈ ናይ ሃይማኖት ካርዲ ብምምዛዝ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ተኸተልቲ እምነት ምጥርጣርን ፅልኢትን ክፍጠር ኢሉ እውን ናብ ጎንፂ ንኸምርሕ ብዝተፈላለዩ መገዲታት እናተንቀሳቐሱ ፀኒሖም ኢዮም” ኢሉ፡፡

ኣብ ጎንደር ዝተወለዐ ጎንፂ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ እምነታት ጎንፂ ብምቕስቃስ ናብ ሃገራዊ ናዕቢ ንኸምርሕ ዝግበር ሽርሒ ሓደ ኣካል ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ ኣብዚ ተግባር ዝተሳተፉ ኣካላት ግቡእ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ጎንደር ዝተፈጠረ ጎንፂ ዝተሳተፉን እቲ ጎንፂ ንምብእኣስ ዝተንቀሳቐሱን 280 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተመልኪቱ፡፡

ከም ሓበሬታ እቲ መግለፂ፥ ኣብ ጎንደር ዝተፈጠረ ጎንጺ ስዒቡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ እምነታት ናዕቢን ራብሻን ንኽፍጠር ዝዕድሙ ቅስቀሳታት ከምኡ እውን ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ብዝተፈላለዩ ሜላታት መራኸቢ ብስፍሓት እናተጋውሑ ይርከቡ ኢሉ።

ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት እውን ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነትን ውልቀሰባትን ጥቕዓት ብምፍፃም እቲ ጎንፂ ሃገራዊ መልክዕ ንኽህልዎ ፈተነ እናተገበረ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ግብረ ሓይሊ፥ ውዳበ ድሕንነትን ፀፅታን ኣብቲ ተግባር ዝሳተፉ ጥራሕ ዘይኮነስ ብድሕሪት ብምዃን ኣብ ልዕሊ ዝዝውሩ ኣካላት እውን እኹ ሓሬታ ዘለዎ ስለዝኾ ተኸታታሊ ስጉምቲ እናተወሰደ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

እቲ ጎንፂ ናብ ካልኦት ከባቢታት ንኽስፋሕፋሕ ብዝኾነ ይኹን መራኸቢ ዝቕስቅሱ፣ ብፍላይ ድማ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፃት ብምጥቃም ናይ ሕሶትን ፅልኢትን ሓበሬታ ዘጋውሑ ኣካላት ብሕጊ ዝሕተቱሉ ኣግባብ ከምዘሎ ዝሓረ እቲ መግለፂ፥ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝሳተፉ ኣካላት ብቅልጡፍ ካብ ካብ ተግባሮም ንኽዕቀቡ ብጥብቂ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.