Fana: At a Speed of Life!

ብቕንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ ጥላሁን ያሚን ኣብዲ ኣለማየሁን ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብቕንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ ጥላሁን ያሚን ኣብዲ ኣለማየሁን ትማሊ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ብተወሳኺ ቕንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ቡራዩን ኣዲስ ኣበባን ብመሰረት ዝተፈጠረ ዓመፅን ሁውከትን ብዝበፅሐ ጉድኣት ሰብን ንብረትን ዝተጠርጠሩ 8 ሰባት ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ተጠርጠርቲ ጥላሁን ያሚን ኣብዲ ኣለማየሁን ብዝምልከት መርማሪ ፖሊስ ዝሰርሖ ስራሕቲ ምርመራ ኣብቲ ችሎት ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ ቃል መሰኻኽር ምቕባሉ፣ እቲ ገበን ዝተፈፀመሉ ቦታ ብመረዳእታ ቴክኒክ ምርግጋፁ፣ ተሓባበርቲ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ የካይድ ዘሎ ምዃኑ፣ ኣርቲስት ሃጫሉ ዝተቐተለሉ ሽጉጥ ካብ መንበሪ ተጠርጠርቲ ከምዘውፅአን ብምርመራ ምርግጋፁን ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ኣብ ኢድ ተጠርጠርቲ ዝተረኸበ ስልኪ ናብ ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ከምዝለኣኸን ውፅኢት ምርመራ ኣስከሬን ይፅበ ከምዘሎን ብምግላፅ፥ እቲ ፍፃመ ዝተሃቀነ ከምዝኾነ ከምዘረጋገፀ ተዛሪቡ።

ምስቶም ተጠርጠርቲ ጉድኒ ንጎድኒ ዘሎ ጉዳይ ብጥንቃቐ ይምርምር ከምዘሎ ብምሕባር፥ ካብ ኢትዮ ቴሌኮም ዝረኸቦ ብስልኮም ዝተልኣኸ ብዙሕ መልእኽቲ ይትንትን ከምዘሎ እውን ኣረዲኡ።

ንተወሳኺ ምርመራ 14 መዓልታት ሓቲቱ።

ተጠርጠርቲ ብግደኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዎም ኣተሓሕዛ ብዝምልከት ብርሃን ዘይረኽብሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዎም ኣተሓሕዛ ንክስተኻኸል ንፖሊስ ትእዛዝ ብምሃብ፥ ንተወሳኺ ምርመራ 14 መዓልታት ብምፍቃድ ውፅኢት ንምፅባይ ን1 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.