Fana: At a Speed of Life!

ብቕንፀላ ኣርቲስ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ 4 ውልቀ ሰባት ክሲ ተመስሪቱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብቕንፀላ ኣርቲስ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ 4 ውልቀ ሰባት ክሲ ተመስሪቱዎም።

እቲ ክሲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ልደታ ቀዳማይ ምድብ መጋባእያ ጉዳያት ገበን ሕገ-መንግስቲን ፀረ ግብረ ራዕዲን ዝተኸፈተ እንትኸውን፥ ተኸሰስቲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ታረኛ መጋባእያ ቀሪቦም ክሲ በፂሑዎም።

ምስ በዓል ሙያ ተማኺሮም እቲ ዝተመስረተሎም ክሲ ብበዓል ሞያ ንኸስምዑ ን26 መስከረም ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ።

እቶም ክሲ ዝተመስረተሎም ውለቀ ሰባት፥ ቀዳማይ ጥላሁን ያሚ ባልቻ፣ ካልኣይ ከበደ ገመቹ መገርሳ፣ ሳልሳይ ኣብዲ ኣለማሁ በዳኔ፣ ራብዐይቲ ድማ ላምሮት ከማል መሓመድ ኢዮም።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.