Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ሃገር ለኸ ተቓላዕቲ ኤች ኣይቪ ዝኾነ ሰባት ወፍሪ ምርመራን ምጅማር ሕክምናን ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ለኸ ተቓላዕቲ ኤች ኣይቪ ዝኾነ ሰባት ወፍሪ ምርመራን ምጅማር ሕክምናን ዕላዊ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ፥ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣዚዩ ካብ ሞንጎ ዝጎድኦም ግልጋሎታት ሓደ ንኤች ኣይ ቪ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ናይ ምምርማር ስራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ 2020 ንምብፃሕ ዝተሃቀነ 90 ሚኢታዊ እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ናይ ምምርማር ትልሚ 79 ሚኢታዊ ጥራሕ ከምዝተሰርሐ ብምሕባር ኣብ ቀፃሊ ኣዋርሕ ብዕቱብ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ዳይሬክተር ጄነራል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ፌዴራል ዶክተር ፅረዳ ክፍሌ ብግደአን፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተረኸበ ፅቡቕ ውፅኢትን ኣብ ኮቪድ-19 ዝተርኣየ ምዝንጋዕን ነቲ ፀገም ክበኣኣስ ብምግባር ምቁፅፃር ኣብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ቅድሚ ምብፅሑ ብፍላይ ኣብ ምርመራ ጥንኩር ስራሕ ምስራሕ ከምዘድሊ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ዕላዊ ዝተገበረ ሃገር ለኸ ወፍሪ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝፀንሕ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.