Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ 20 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም 20 ሚሊየንን 90 ሽሕን 541 በፂሑ።

ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ‘ቲ ቫይረስ ልዕሊ 735 ሺሕ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ እውን ተገሊፁ።

በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ 12 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሰባት ከምዝሓሾም ድማ ሓበሬታ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ የረድእ።

ኣብ ኣሜሪካ ጥራሕ 5 ነጥቢ 9 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፥ ልዕሊ 163 ሺሕ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ብብርኪ ዓለም ብብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፍዋ ሃገር ኣሜሪካ እንትትከውን፥ ኣብ ብራዚል ድማ 3 ሚሊየንን 57 ሺሕን 470 ሰባት እቲ ቫይረስ ዝተኸቦም ኢዮም።

ስለዝኾነ ካብ ኣሜሪካ ቀፂላ ብካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፍዋ ሃገረ ህንዲ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.