Fana: At a Speed of Life!

ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ስርዓት ኣተሓሕዛ መረዳእታ ሓደጋ ትራፊክ ብምዝርጋሕ ማዕረ እቲ ፀገም ምላሽ ንምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ስርዓት ኣተሓሕዛ መረዳእታ ሓደጋ ትራፊክ ብምዝርጋሕ ማዕረ እቲ ፀገም ምላሽ ንምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ነዚ ንምፍፃም ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ሎሚ ተኸቲሙ።

ኣብቲ ሰነድ፥ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤልን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ድሕንነት መገዲን ፈንድ መድሕን ጀማል ኣባሶ ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፥ ከም ሃገር ዝተዋደደ ቦኽራ መመዝገቢ ሓበሬታ ሓደጋ ትራፊክ ዘይምህላዉ ማዕረ እቲ ፀገም ምላሽ ንምሃብ ብድሆ ኮይኑ ምፅንሑ ገሊፆም።

እቲ ስምምዕነት ነዚ ኣብ ምፍታሕ ልዑል ግደ ክምዝህልዎ ድማ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.