Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ መላኩ ኣለበል ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ማይ ፀብሪ ግንባር ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊትን ተፈናቐልቲ ወገናትን ድጋፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ) ብሚኒስተር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ማይ ፀብሪ ግንባር ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊትን ተፈናቐልቲ ወገናትን ድጋፍ ገይሩ።

በቲ ጉጅለ ራዕዲ ጉድኣት ምስ ዝበፅሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ዘተ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ንደባርቕ ዳባትን ናይቲ ከባቢ ህዝብታትን ነቲ ጉጅለ ራዕዲ ንምድምሳስ ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ ኣይተ መላኩ ብስም እቲ ልኡኽ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብ ጭና ካብ ዝተሰውኡ ንፁሃን ብተወሳኺ ልዕሊ 100 ኣባይቲ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ጥቕሚ ወፃእ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

በዚ ድማ ካብቲ ጭፍጨፋ ዝተረፉ ሰባት ኣልቦ መፅለሊ ከምዝኾኑ ኢዩ ተገሊፁ።

ኣብ ደባርቕ ወረዳ ቦዛ ኣብርሀም ቀበሌ ልዕሊ 15 ሺሕ ነበርቲ በቲ ጉጅለ ራዕዲ በዝበፅሖም ዘረፋ ንሽግር ከምዝተጋለፁን መንበሪ ኣልባ ከምዝኾኑን ካብቲ ከባቢ ዝመፅኡ ነበርቲ ገሊፆም።

ኣበቲ ዘተ ካብ ሰብ ሃፍቲ ኣይተ በላይነህ ክንዴን ካልኦት ፍሉጣት ሰብ ሃፍቲን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ንሕና ኣብቲ ቦታ ዝተረኸብና ንዝረኸብክምዎ ዓወት ንምምስጋንን ሃገር ንምሕላው ብዝኸፈልክምዎ መስዋእቲ ንሕና ሰላም እናነበርና ብምዃንና ነዝበፅሐኩም ፀገም ድማ ንምክፋል ኢዩ ኢሎም።

ብኤልያስ ኣንሙት

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.