Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ወረዳ ዱግዳ ብክላስተር ኣብ ዝፈሪ ፍረ ፓፓዬ ዑደት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ብኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ወረዳ ዱግዳ ኣብ 10 ሄክታር መሬት ብክላስተር ኣብ ዝፈሪ ፍረ ፓፓዬ ዑደት ብምግባር ንሓረስቶት ኣበረታቲዑ።

ከም ክልል ኦሮሚያ ኣብ 1 ሺሕን 200 ሄክታር መሬት ፍርያት ፍረ ፓፓዬ እናፈረየ ከምዝርከብ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣይተ ጌቱ ገመቹ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ሓረስቶት ብዙሕ ፍርያት የፍርዩ እምበር ብዘይግቡእ ኢዶም ብዘእትዉ ደለልቲ ኣብ ምትእስሳር ጥዑይ ዕዳጋ ማሕለኻ ከምዝኾኖምን ግቡእ ረብሓ ከምዘይረኸቡን ገሊፆም፡፡

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ምትእስሳር ሕጋዊ ንኽኸውን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ምስ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን “ኦሮ ፍሬሽ” ዝበሃል ስርዓት ዕዳጋ፤ ሓረስታይን ዕዳጋን ዘራኸረብ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ብጀሚላ ጀማልን ኣዲሱ ሙሉነህ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.