Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ ሽመልስ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ነበርቲ ምዕራብ ኦሮሚያ ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ነበርቲ ምዕራብ ኦሮሚያ ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝገበረ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ።

በቶም ርእሰ ምምሕዳር ዝተመርሐ ልኡኽ÷ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ምዕራብ ኦሮሚያ ምስ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ልዝብ ምግባሩ ይዝከር፡፡

ሓላፊ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ÷ እቲ ልዝብ ኣመልኪቶም ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂበም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ ብኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ÷ ኣብ ጉዳይ ሰላም፣ መሰረተ ልምዓትን ግብረ ራዕዲ ሸኔን ኣድሂቡ ከምዝተዛተየ ኣብሪሆም፡፡

ብወገን መንግስቲ ምስ ሕብረተሰብ ብሓባር ክስርሑ ብዛዕባ ዝግበኦም ጉዳያት ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ኣይተ ሃይሉ ኣብ መግለፂኦም ኣመልኪቶም፡፡

ብደበላ ታደሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.