Fana: At a Speed of Life!

ብከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ምክትል ኣካቢ ኮንግረስ ግዝኣት ሱቿን ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ምክትል ኣካቢ ኮንግረስ ግዝኣት ሱቿን ዙ ሹንዚው ተዛቲዩ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ዋና ከተማ ግዝኣት ሱቿን ዝኾነት ከተማ ቼንዱ ፅንሰ ሓሳብን ስርዓት ህንፀት ሓምለዋይ ከተማን “ከተማ ፓርክ” ዝነኣድ ኢዩ፡፡

ከተማ ቼንዱ ምስ ፓርክ ልምዓት ከተማ ብምስምዕማዕ ንከተማታት ሓደሽቲ ምስሊታት ኣብ ምፍጣር ሰናይ ተሞክሮ ዘለዋ ከምዝኾነት እውን ኣብሪሀን፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰርን ኢንዱስትሪ ቱሪዝምን ዓብዪ ትኹረት ብመሃብ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ኣብ ምህናፅ ትርከብ ዝበላ እተን ከንቲባ÷ ቁፅሪ ቻይናውያን  በፃሕቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ብምምፅ ኣብ ቀፃሊ ኢትዮጵያ ንቻይናውያን በፃሕቲ ተመራፂት መብፅሒት ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ምክትል ኣካቢ ኮንግረስ ግዝኣት ሱቿን ዙ ሹንዚው ብግደአን÷ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ፀኒዑ ናብ ዝፀንሕ ስትራቴጂያዊ ርክብ ዓቢዩ ኢዩ ምባሎምን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.