Fana: At a Speed of Life!

ብክርክር ፍታሃብሄር ልዕሊ 23 ቢሊየን ብር ረብሓ መንግስቲ ምርግጋፅ ተኻኢሉ- ሚኒስቴር ፍትሒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት ኣብ 3 ሺሕን 496 መዛግብቲ ፍታሃብሄር ውሳነ ብምሃብ  ልዕሊ 23 ቢሊየን ብር ረብሓ መንግስቲ ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ፍትሒ ገሊፁ።

ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት ሚኒስቴር ፍትሒን ቢሮታት ፍትሒ ክልላትን ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፥ ፍኖተ ካርታ ለውጢ ኣወዳድባ ዓውዲ ፍትሒ ኣብ መንጎ ፌዴራልን ክልላትን ስሩዕ ብዝኾነ መገዲ ተግባራዊ ንምግባር ይካየድ ዘሎ ስራሕቲ ክግምገሙ ኢዮም ኢሎም።

ኣብ መላእ ሃገር ተግባራዊ ምግባር ዘኽእል ረቂቕ ኣዋጅ “ማዕቐፍ ሞዴል ፈትሒ መሰረተ ማሕበረሰብ” ንዘተ ብምቕራብ እታዎታት ከምዝውሰኸሉ ሓቢሮም።

ዳይሬክተር  ስትራቴጂክ ጉዳያት ሚኒስቴር ፍትሒ ደሳለኝ መንግስቴ፥ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል፣ ኣገልግሎት ፍትሒ፣ ግብረ መልሲ ቀዋሚ ኮሚቴ ፈትሒን ሕጊን ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.