Fana: At a Speed of Life!

ብኲናት ጉድኣት ንዝበፅሖም ትካላት ትምህርቲ መሊስካ ንምህናፅ ዳያስፖራ ሓገዝ ንኽገብር ፃውጢት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳያስፖራ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ዘብፀሐሎም ትካላት ትምህርቲ መሊስካ ንምህናፅ ሓገዝ ንኽገብር ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ፀዊዖም፡፡

ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ እቲ ፃውዒት ዘቕረቡዎ፥ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ እንግሊዝ ምስ ላዕለዎት መምህራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ተመራመርቲን ኣብ ዘካየዶ ዘተ ኢዩ፡፡

ፕሮፌሰር ብርሃኑ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ብኹሉ ብርኪ ትምህርቲ እናተኻየደ ዝርከብ ምምሕያሽ ንቀፃሊ ወለዶ ኢትዮጵያ ዝሐሸት ሃገር ንምርካብ መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣበ ኢትዮጵያ እነተኻየደ ዝርከብ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ሰብ ሞያ ዳያስፖራ ሓገዝ ንኽገብሩ ሓቲቶም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ብዘተወልዑ ጎንፂታት ዝተጎድኡ ኣቢያተ ትምህርቲ መሊስካ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ፃዕሪ ዝከኣሎም ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ምቕራቦም እውን ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.