Fana: At a Speed of Life!

ብዓለም ለኸ ጉጅለ ኣዘዋዋሪ መሳርሒታት ኲናት ናብ ኢትዮጵያ ብሕቡእ ክኣቱ ዝተገበረ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ማሳርሒታት ኲናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብዓለም ለኻዊ ጉጅለ ኣዘዋዋሪ መሳርሒታት ኲናት ብወደብ ጅቡቲ ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ብሕቡእ ክኣቱ ዝተገበረ ክልተ ኮንተይነር ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከክውዕል ምግባሩ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

መበገሲኡ ካብ ቱርኪ ወደብ ሜርሲን ዝገበረ እቲ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ኣብ ትሕ ቁፅፅር ክውዕል ዝኸኣለ፥ ብወደብ ጅቡቲ ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ብሕቡእ ንመእታው ኣብቲ ወደብ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል ተሓቢኡ ብዝተራቐቐ መገዲ ናብ ውሽጢ ሃገር ምስኣተወ ምዃኑ ቤት ዕዮ ናይቲ ኣገልግሎት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣመልኪቱ።

ግምታዊ ዋገኦም ልዕሊ ብር ፍርቂ ቢሊየን ዝኾኑ 501ዝተዓሸጉ ካርቶናት ምስ ልዕሊ 18 ሺሕ ስራሕ ቱርኪ ዝኾኑ ሽጉጣት ከምዝተትሓዙ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ ከምሽፋን ንኸገልግሉ ተሓሲቦም ዝተዳለዉ ኣቕሑት ኤሌክትሮኒክስ ኣብ ውሽጦም ዝሓዙን 229 ዝተዓሸጉ ካርቶናት እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ኢዮም።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን፥ ብዛዕባ እቶም ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ሓበሬታ ካብ ዝረክብ ጀሚሩ ንነዊሕ እዋን ኣድላዪ ምክትታል እናገበረ ምፅንሑ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ እቶም መሳርሒታት ብኸመይ መልክዑን ብመንን ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ብምፍላይ ፍሉይ ስራሕቲ ኦፕሬሽን እናካየደ ምፅንሑ ገሊፁ።

እቲ ክልተ ኮንተይነር ዘኣክል ዘይሕጋዊ ማሳርሒ ኲናት ኣብ ውሽጢ ሃገር እንተዝብተን ነይሩ፥ ኣብ ልዕሊ ድሕንነት ህዝቢን ሃገርን ልዑል ሓደጋን ስግኣትን ከስዕብ ይኽእል ከምዝነበረ ተገሊፁ።

እቲ ኦፕሬሽን ብዓወት ምዝዛሙ ድማ ሃገርን ህዝቢን ካብ ዝተሃቀነሉ ጥፋኣት ምድሓን ከምዝተኽኣለ እውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያን ህዝባን ናብ ሕምስምስ ንምእታው ዝተወጠነ ሽርሒ ንምፍሻል እቲ ዘይሕጋ መሳርሒታት ኲናት ኣብቲ ቁፅፅር ካብ ምውዓል ጀሚሩ ካብ ኢትዮጵያ ወፃእ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተዘርግሑ ኣዘዋወርቲ ዘይሕጋዊ መሳርሒትት ኲናት መርበባት ብምእላሽ ክበጣጠሱ ዘኽእሉ ኦፕሬሽናት ብብቕዓት ክዋፃእ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ኦፕሬሽን ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ መሳርሒታት ኲናት ተቐቢሎም ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ንምብታን ዝተሰናድኡ 24 ተጠርጠርቲ እቶም መሳርሒታት ኲናት ክርከቡ እናተዳለዉ እናሃለዉ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ተገይሮም ብዝምልከቶ ኣካል ምርመራ እናተገበረሎም ምዃኑ እውን እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን፥ ነቶም ዶብ ሰገር ኣዘዋወርቲ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናትን እቶም መሳርሒታት ኲናትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ምስ መዘና ትካላት ሃገራት ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ሊቢያ፣ ቱርኪን ኣሜሪካን  ልውውጥ ሓበሬታ ብምግባር ዶብ ኣሳጊሮም ናብ ውሽጢ ሃገር ዘእተዉን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘይወዓሉን ዓለም ለኸ ኣዘዋወርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ስራሕቲ ቁፅፅርን ክትትልን ኣጠናኺሩ እናቐፀለ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት፥ እቶም ዘይሕጋዊ መሳርሒትት ኲናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ኣብ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ኮሚሽን ጉምሩክ፣ ኮሚሽናት ፖሊስ ፌዴራል፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ኣዲስ ኣበባን ንዝገበሩዎ ልዑል ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ዝተለመደ ትሳትፎ ሕብረተሰብ እውን ልዑል ግደ ከምዝነበሮ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.