Fana: At a Speed of Life!

ብዕጥቂ ዝተሓገዙ ጎንፅታት ምውጋድ ንንፁሃን ኣብ ምሕላው ዝሓሸ ኣማራፂ ከምዝኾነ ቻይና ኣገንዚባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዕጥቂ ዝተሓገዙ ጎንፅታት ምውጋድ ንንፁሃን ኣብ ምሕላው ዝሓሸ ኣማራፂ መፈትሒ  ከምዝኾነ ቀዋሚ ልኡኽ ቻይና ኣብ ወድብ ሕቡራት መንግስታት ፉ ኮንግ  ኣገንዚቦም።

ቤት ምኽሪ ውሕመ ብዕጥቂ ዝተሓገዙ ጎንፅታት አንትካየዱ ንፁሃን ዜጋታት ከመይ ሓለዋ ክግበረሎም ከምዝግባእ ዝርእይ ልዑል ብርኪ ዘተ ኣሳሊጡ።

ፉ ኮንግ ፥ ኣብቲ ጎንፂ ህይወት ንፁሃን ዜጋታት ምድሓን እወንታዊ ሸቶ ኢዩ ኢሎም።

ይኹን እንበር ጎንፅታት ደው እንተዘይኢሎም ሀይወት ዜጋታት ኣብ ዘየቋርፅ ስግኣት ከምዝወድቕ ክፍለጥ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።

ብዕጥቂ ዝተሓገዙ ጎንፅታት ምውጋድ ንንፁሃን ኣብ ምሕላው ዝሓሸ ኣማራፂ ከምዝኾነ ድማ ኣገንዚቦም ክብል ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.