Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣዳማ እናኣተወ ዝነበረ 4 ሺሕን 603 ጠያይቲ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበገሲኡ መተሃራ ብምግባር ናብ ከተማ ኣዳማ እናኣተወ ዝነበረ 4 ሺሕን 603 ጠይት ምሓዙ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

1 ሺሕን 828 ጠያይቲ ክላሽን 2 ሺሕን 775 ጠያይቲ ብሬንን ብሰራሕተኛታት ኮሚሽን ጉምሩኽን ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ኢዮም ተታሒዞም።

ጠያይቲ ዝሓዘት ተሸከርካሪት ዝገንሕ ሹፌር ንሃንደበታዊ ፍተሸ ጠጠው ንኽብል ይተሓተት እምበር ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፥ ፖሊስ ፌዴራል ብዝወሰዶ ስጉምቲ እቲ ሹፈር ምስ ተሓባበርቱ ነታ መኪና ሓዲጎም ከመዝጠፍኡ ተገሊፁ፡፡

ገበነኛታት ንግዚኡ ይተሓብኡ እምበር ኣመራርሓታት ፖሊስ ጉምሩኽን ፖሊስ ፌዴራልን ምስ ሕብረተሰብ እቲ ኸባቢ ብምዃን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ፃዕሪ እናገበሩ ከምዝርከብ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.