Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ 345 ሽጉጥ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበገሲኡ ምዕራብ ጎንደር ሸህዲ ሽንፋ ብምግባር ናብ ከተማ ባህርዳር ክኣቱ ዝነበረ 345 ሽጉጥ ከምዝተትሓዘ ኮማንድ ፖስት ባህርዳር-ጎንደር ኣፍሊጡ።

እቲ ዘይሕጋዊ ሽጉጥ ኣብ ተሽከርካሪት ተመሳሲሉ ብዝተሰርሐ ሻግ ብሕቡእ ተፃኑ እንትጓዓዝ ብዝተገበረ ክትትል ምሸት ሰዓት 1 ናብ ከተማ ባህርዳር ክኣቱ ክብል ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ፡፡፡

ምስቲ ተግባር ተተሓሒዙ ድማ ሹፈር እታ መኪናን ሓጋዚኡን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ተወሳኺ ምርመራ እናተገበረ ምዃኑ ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.