Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተጓዓዙ ዝነበሩ መሳርሒታት ኲናት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ማእኸል ጎንደር ወረዳ ታሕታይ ኣርማጨሆ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተጓዓዙ ዝነበሩ መሳርሒታት ኲናት ተታሒዞም።

እቲ ዘይሕጋዊ መሳርሒ መበገሲኡ ካብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ምምሕዳር ከተማ ምድረ ገነት ናብ ከተማ ጎንደር ዝጓዓዝ ዝነበረ ናይ ፅዕነት ተሸከርካሪ ኣይሱዙ ኣብ ውሽጢ ሻግ(መሕብኢ ኣቑሑት) ተሓቢኦም እንተሓልፉ ኢዮም ተታሒዞም።

ብዝተገበረ ፍተሻ፥ 37 ክላሽ፣ 9 ሺሕን 277 ጠያይቲ ከላሽን ከምኡ እውን 21 ካዝናታት ከላሽንን ብዘይሕጋዊ መገዲ እንትዘዋወር ብምትሕብባር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ኣባላት ስሩዕ ፖሊስን ክተሓዙ ክኢሎም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ድሕንነትን ወረዳ ታሕታይ ኣርማጨሆ ኣይተ ኣንተነህ ታደሰ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ገናሒ መኪናን ሓደ ተወሳኺ ተጠርጣሪን ኣብትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ይርከብ።

እቶም ሓላፊ፥ ማሳርሒታት ኲናት ንዘይሕጋዊ ተግባርን ሰላም እቲ ከባቢ ሓደጋ ካብ ምዃን ወፃኢ ካሊእ ረብሓ ከምዘይብሉ ብምርዳእ ኣብ ከምዙይ ዓይነት ተግባር ዝተዋፈሩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንኽዕቀቡን ሕብረተሰብ ኣብ ጎኒ ሓይሊታት ፀፅታ ተሰሊፉ ዝተለመደ ምትሕብባር ንኽገብር ምሕታቶም ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ወረዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.