Fana: At a Speed of Life!

ብዶ/ር መቅደስ ዳባ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዑደት ኣሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ጥዕና ብዶ/ር መቅደስ ዳባ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደርን ማእኸል መፍረዪ ግላቭ ሜዲካል ኣፎሚ ዑደት ኣሳሊጡ።

እቶም ልኡኻት ኣብቲ ዑደት፥ ኣብቲ ሆስፒታል ዝህነፅ ዘሎ ማእኸል መውሃቢ ሕክምና ጨረራ ካንሰር ዝበፅሐሉ ብርኪ ርእዮም።

ከምኡውን ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝወሃቡ ዘለዉ ኣገልግሎታት ሕክምና ምርኣዮም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ማእኸል መፍረዪ ግላቭ ሜዲካል ኣፎሚ ኣብ ሰዓት 4 ሺሕን 500 ፅምዲን 9 ሺሕ ነፀላ ግላቫትን ኣብ ምፍራይ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣፍራዪን ጥዑይን ዜጋ ኣብ ምፍጣር ብፍላይ ፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ብምጥቃም ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምትራፍ ዘሎ ግደ ልዑል ከምዝኾነ ዶ/ር መቅደስ ተዛሪበን።

እቲ ማእኸል ብሙሉእ ዓቕሚ ሰርጂካል ግላቭ ናብ ምፍራይ እንትኣቱ ምስ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣድላዪ ድጋፍ ከምዝግበር ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.