Fana: At a Speed of Life!

ብዶ/ር ኣትነኩት መዝገቡ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ትግራይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣትነኩት መዝገቡ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ እቲ ክልል መኽፈቲ ስነ ስርዓት ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተዓዚቡ።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ዝነበረ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ሎሚ መዓልቲ ዝተሳተፉ እንትኾኑ፥ ኣብቲ ዑደት ዝተፋላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኣጋይሽን ተሳቲፎም።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ድኽነት ንምወፃእን ልምዓቱ ቀፃሊ ንምግባርን ዝተዓዘቡ ኣጋይሽ እዉን ኢዶም ሓዊሶም ብምስራሕ ናእድኦም ገሊፆም።

ሎሚ ዘበን ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን፥ “ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንመርኣያ ልምዓትናን ፅንዓትናን” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.