Fana: At a Speed of Life!

ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ሓይልታት ንከተማ ትሪፖሊ ንምቁፅፃር ዘኽእል ሓዱሽ ትእዛዝ ተዋሂቡዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሊብያ ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ሓይልታት ካብቲ ዓሪዶሙሉ ዘለው ከባቢታት ናይታ ሃገር ተበጊሶም።

መንቀሊ ምኽኒያት መንቅስቓስ እቶም ሓይሊታት፥ ንከተማ ትሪፖሊ ንምቁፅፃር ዘኽእል ሓዲሽ ትእዛዝ ስለዝተውሃቦም ኢዩ ተባሂሉ።

ነቲ ትእዛዝ ዝሃበ ጀነራል ከሊፋ ሓፍታር፥ ቅድመ ሐዚ ብዘይተለምደ ኣገባብ ብቐጥታዊ ፈነወ ቴሌቨዥን’ዩ ኣመሓላሊፍዎ።

ይኹን እምበር እቶም ሓይልታት በቲ ብኣህጉራዊ ተቐባልነት ከምዘለዎ ዝንገረሉ መሰጋገሪ መንግስቲ ብርቱዕ ግብረመልሲ ከምዝገጠሞም ተሐቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ንከተማ ትሪፖሊ ንምቁፅፃር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.