Fana: At a Speed of Life!

ብገበን ግዕዝይና ኣብ ልዕሊ ዝተኸሰሱ ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ቅፅዓት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብገበን ግዕዝይና ኣብ ልዕሊ ዝተኸሰሱ ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ቅፅዓት ተዋሂቡ።

እቲ ውሳነ ቅፅዓት ተወሲኑ ዘሎ ብላዕላይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ ቀዳማይ መጋባእያ ገበን ጉዳያ ግዕዝይና እንትኸውን፥ ውሳነ ቅፅዓት ዝተመሓላለፈሎም ተኸሰስቲ፤ ዳይና ኣዱኛ ነጋሳን ዳይና ኣክሊሉ ዘሪሁንን ይበሃሉ።

ዳይሬክቶሬት ዓቃቢ ሕጊ ጉዳያት ግዕዝይና ኣብ መዝገብ ቁፅሪ 27611 ኣይተ ገብረእግዚኣብሄር ምስ ዝተብሃሉ በዓል ሃፍቲን ቱፋ ጣፋ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብን ዝነበረ ርክብ እንተይተኸፈለ ዝተረፈ 276 ሚሊየን ብር ልቓሕን 9 ሚኢታዊ ወለድን ማለት እውን 250 ሺሕ ብር ዳይነት ግልግል ክትዕ ዘይተገበረሉ መረዳእታ ኣብ ዘይተመዘነሉ ግቡእ ዘይኮነ ውሳነ ኣፈፃፅማ ሂቦም ብምባል 28 ሕዳር 2014 ዓ.ም ከቢድ ክሲ ገበን ግዕዝይና መስሪቱዎም ነይሩ።

ተኸሰስቲ ክሲ ምስበፅሖም 14 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ ቆፀሮ እቲ ገበን ከምዘይፈፀሙ ብምግላፅ ዝሃቡዎ ናይ እምነት ክሕደት ቃል ስዒቡ ምስክራት ዓቃቢ ሕጊ ተሰሚዖም።

ቤት ፍርድ እውን ቃል መሰኻኽር መርሚሩ ቀዳማይ ተኸሳሲ ዳይና ኣዱኛ ነጋሳ ካብ ዝቐረቡሎም ክልተ ክሲታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተረኸበ ንብረት ሓጋዊ ኣምሲልካ ምጥቃም ዝብል ገበን ብምስክር ኣይተረጋገፀን ብምባል ናፃ ኢሉዎም ነይሩ።

ብካልኣይ ክሲ ማለት እውን ስልጣን ብዘይኣግባብ ምጥቃም ገበን ግዕዝይና ንኽከላኸሉ ን13 ሓምለ 2014 ዓ.ም ብይን ሂቡ ነይሩ።

ካልኣይ ተኸሳሲ ዳይና ኣክሊሉ ዘሪሁን ብዝምልከት ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተውሃበ ዳይነት ግልግል ናይ ሕሶት ሰነድ ምቕራቡ ከምዘይፈልጡ ብምስክር ብምርግጋፁ ዝተኸሰሱሉ ዓንቀፅ ተቐይሩ ብውልቀ ተሰማዓይነት ምንጋድ ዓንቀፅ 16/1 ሀ መሰረት ብምግባር ንኽከላኸሉ ብይን ተዋሂቡ ነይሩ።

እቲ ዓንቀፅ ዋሕስ ስለዘይኽልክል ብ20 ሺሕ ብር ዋሕስ ኣብ ደገ ኮይኖም ጉዳዮም ንኽከታተሉ ዋሕስ ተፈቒዱሎም ነይሩ።

ተኸሰስቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናይ መከላኸሊ መረዳእታ ዘቕረቡ ይኹኑ እምበር መረዳእታ ዓቃቢ ሕጊ ብግቡእ ከፍሽሉ ኣይከኣሉን ተባሂሎም ብይን ጥፍኣተኛታት ተመሓላሊፉዎም።

ፍርዲ ትፍኣተኛታት ምስ ተመሓላለፈሎም፥1ይ ተኸሳሲ ዳይና ኣዱኛ ቅድሚ ምኽሳሶም ብእምነት ንስርዓት ፍትሒ ዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ፣ ኣመሓዳሪ ስድራ ምዃኖምን ንሃገራዊ ልምዓት ዘበርከቱዎን ብመረዳእታ ኣደጊፎም ብሓፈሻ 12 መቕለሊ ቅፅዓት ኣቕሪቦም።

2ይ ተኸሳሲ ዳይና ኣክሊሉ ዘሪሁን እውን ቅድሚ ምኽሳሶም ንስርዓት ፍትሒ ብእምነት ዘበርከቱዎ ኣስተዋፅ ብምፅራሕ ብሓፈሻ 10 መቕለሊ ቅፅዓት ርኢቶ ብፅሑፍ ኣቕሪቦም።

ቤት ፍርዲ ተኸሰስቲ ዘቕረቡዎ ርኢቶ መቕለሊ ቅፅዓት ብመሓዝ 1ይ ተኸሳሲ ንዳይና ኣዱኛ ነጋሳ ኣብ ዝተብሃሉሉ ዓንቀፅ ብ2 ዓመትን 9 ወርሒን ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ፤ ከምኡ እውን 2ይ ተኸሳሲ ዳይና ኣክሊሉ ዘሪሁን ጥፍኣተኛ ብዝተብሃሉሉ ዓንቀፅ 1 ዓመትን 6 ወርሒን ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ ወሲኑ።

ብታሪክ ኣዱኛ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.