Fana: At a Speed of Life!

ብግልጋሎት ወለንታ ልዕሊ 17 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ምድሓን ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓጋይን ክረምቲን ብዝተሰርሐ ግልጋሎት ወለንታ መናእሰይ ልዕሊ 17 ቢሊየን 644 ሚሊየን 156 ሽሕ ብር ግምት ዘለዎም ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ።

“ሰናይ ተግባር ንብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ÷ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ህንፀት መንበሪ ገዛ ዓቕመ ደካማታት፣ ልገሳ ደም፣ ድሕንነት ትራፊክ መገዲ ሓዊሱ ብ12 ዓይነታት ምውፋር ስራሕ ግልጋሎት ወለንታ መናእሰይ ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።

ኣብቲ ሚኒስቴር መራሒ ጉጅለ ርክብ ህዝቢን ኮሙኒኬሽንን መላኩ ባዩ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ግልጋሎት ወለንታ 24 ሚሊየን 664 ሺሕን 225 መናእሰይ ተሳቲፎም።

“በዚ ድማ 56 ሚሊየን 823 ሺሕን 452 ወገናት ተጠቀምቲ ኮይኖም” ኢሎም።

ብግልጋሎት ወለንታ እቶም መናእሰይ ብመንግስቲን ሕብረተሰብን ዘይተሸፈኑ ስራሕቲን ግልጋሎታትን ምብፃሕ ከምዝተኸኣለ ኣመልኪቶም።

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.