Fana: At a Speed of Life!

ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተመዛበሉ ወገናት ኩሉ ንኽሕግዞም ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተመዛበሉ ወገናት ኩሉ ንኽሕግዞም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ጌታቸው ጀንበር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ብዝፈፀሞ ወራር ልዑል ግፍዒ ከምዝበፅሐ ብምፅራሕ፥ እቲ ወራር ህዝቢ ሆ ኢሉ ብምልዓልን ብምድምሳስን ታሪኽ ኣቦታቱ ክደግም ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

እቲ ወራሪ ምድምሳስ እንተዘይተኻኢሉ፥ ከም ህዝቢ ኣምሓራ ብሩ ሓሊዩ ክነብር ከምዘይኽእል ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ግምባር ንዝግበር ቃልሲ ዝድግፍ ሓገዝ ሎጂስቲክስ ከምዘድሊ እውን ሓቢሮም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝርከቡ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ብዙሓት ብምዃኖም እኹል ሓገዝ ከምዘይበፅሖም እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም።

እናተገበረ ዝርከብ ሓገዝ ተጠናኺ ንኽቕፅልን እቲ ኲናት ኣብ ሓፂር እዋን ንኽዛዘምን ኩሉ ብፅሒቱ ንኽዋፃ ፃውዒት ምቕራቦም ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.