Fana: At a Speed of Life!

ብፍርያት ምግቢ ባዕልኻ ንምኽኣል ዝተኻየደ ኩለመዳይ ፃዕሪ ውፅኢት ተመዝጊቡ – ሚኒስትር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፍርያት ምግቢ ባዕልኻ ንምኽኣል ዝተኻየደ ኩለመዳይ ፃዕሪ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ፍርያት ዝራእቲ ክረምቲ ናብ 342 ሚሊየን ኩንታል ክብ ከምዝበለ ሚኒስትር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ብትሑት ትሕዝቶ ዝፈሪ ዋና ዋና ዝራእቲ ክረምቲ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2003 ካብ ዝነበሮ 222 ሚሊየን ኩንታል ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ናብ 342 ሚሊየን ኩንታል ከዓቢ ክኢሉ።

ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ፥ ኣብ ትሑት ትሕዝቶ ዝፈሪ ፍርያት ክረምቲ ኣትክልቲን ፍረምረን፤ ኣብ በጀት ዓመት 2003 ካብ ዝነበሮ 22 ሚሊየን ኩንታል ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም 60 ሚሊየን ኩንታል በፂሑ ኢዩ።

ሓፈሻዊ ሃገራዊ ዕቤት ሕርሻ ኢትዮጵያ ካብ በጀት ዓመት 2003 ክሳብ 2012 ዓ.ም 8 ሚኢታዊ ማእኸላይ ዕቤት ንምምዝጋብ ተተሊሙ በቢዓመቱ 5 ነጥቢ 3 ዕቤት ከምዝተመዝገበ ኢዩ እቲ ሓበሬታ ዝሕብር።

ማእኸላይ ዓመታዊ ፍርያት ዝራእቲ 6 ኝተቢ 1 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ሃፍቲ እንስሳት 3 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ከዓቢ ክኢሉ።

ብተመሳሳሊ ንኡስ ዘፈር ደኒ ብማእኸላይ በቢዓመቱ 3 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕቤት ኣርኢዩ።

ኣብቲ ዓውዲ ዝተመዝገበ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ዕቤት ፍርያት ሕርሻ ልዕሊ ዕቤት ምጣነ ህዝቢ ብምዃኑ፥ ድኽነት ገፀር ንምንካይ ኣስተዋፅኦ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ብምግቢ ባዕልና ንኽንክእል ምቹው ኩነታት ምፍጣሩ እቲ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ዓውዲ ብዘላቒ ንምስግጋር ከምኡ እውን ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ ኣብ ሽቶ ንምብፃሕ ቅድም ክብል ካብ ዝነበሮ ፖሊሲ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ተመሓይሹ ንኽፀድቕ ንዝምልከቶ ኣካል ከምዝቐረበ እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.