Fana: At a Speed of Life!

ብ/ጄ ኪዱ ኣለሙ ኣብ ኬንያ ኮይኖም ምስጢር ሃገር ንሓይሊታት ምክልኻል ዝተፈላለያ ሃገራት ይህቡ ከምዝነበሩ ፖሊስ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብርጋዴል ጀነራል ኪዱ ኣለሙ ኣብ ኬንያ ኮይኖም ምስጢር ሃገር ንሓይሊታት ምክልኻል ዝተፈላለያ ሃገራት ይህቡ ከምዝነበሩ ፖሊስ ገሊፁ።

መርማሪ ፖሊስ እዚ ዝበለ ተጠርጣሪ ሎሚ መዓ፤ቲ ንሳልሳይ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን ኢዩ።

ፖሊስ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዘትውሃቦ 13 ተወሳኺ መዓልቲታት ምርመራ ብዙሓት ስራሕቲ ምስርሑ ኣብሪሁ።

ስለዝኾነ ድማ ተጠርጣሪ ኣብ ኬንያ ኮይኖም ምስጢር ሃገር ንሓይሊታት ምክልኻል ዝተፈላለያ ሃገራት ኣሕሊፎም ይህቡ ከምዝነበሩን 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ እንትፍፀም ሳትላይት ብምጥቃም ወታደራዊ ኣመራርሓን ሓገዝን ይህቡ ከምዝነበሩ ገሊፁ።

መጠን እቲ ኣብ ልዕ እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ ኢሰብኣዊ ተግባር ዘመላኽት ጉዳያት ብመረዳእታ ከምዘምፀአ እውን ኣረዲኡ።

መዝገብ ምርመራ ብመረዳእታ ሰብን ሰነድን ኣጠናኺሩ ንዝምልከቶ ኣካል ንመሃብ ተወሳኺ እዋን ከምዘድልዮ ገሊፁ።

ተጠርጣሪ ብጠበቐኦም ተወኪሎም ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ኬንያ ሓደ ዓመትን ሸሞንተ ወርሒን ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ካብ ኤምባሲ ወፂኦም ከምዘይፈልጡ ተዛሪቦም።

ብመርማሪ ፖሊስ ዝቐረበ ተወሳኺ ግዘ ግቡእ ኣይኮነን ክብሉ ተኻቲዖም።

ሕማም ኣስሚ ከምዘለዎም ብምፅራሕ እውን ብዘይግቡእ ከምዝተኣሰሩ ነቲ ተግባር ተቓዊሞም።

ክትዕ ክልቲኦም ወገናት ዘድመፀ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ መጋባእያ ኣራዳ 1ይ እዋን ቆፀሮ ንዝተረፉ ምርመራታት 11 ተወሰኽቲ መዓልቲታት ንፐሊስ ፈቒዱ።

ኣብ መዓል ቆፆሮ መዝገብ ንኽቐርብ እውን ኣዚዙ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.