Fana: At a Speed of Life!

ብ390 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ ፋብሪካ መፍረዪ ኦክስጅን ፈተነ ምፍራይ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ብ390 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝሃነፆ ዘበናዊ ፋብሪካ መፍረዪ ኦክስጅን ፈተነ ምፍራይ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ዶክተር ኣሸናፊ ታዘበው ከምዝገለፁዎ÷ ምጥያሽ እቲ ፋብሪካ መፍረዪ ኦክስጅን ንመግዝኢ ኦክስጅን ኣብ ዓመት ዘውፀኦ 7 ሚሊየን ብር ወፃኢ ንምድሓን ዝሕግዝ ኢዩ፡፡

እቲ ሆስፒታል ጠለብ ኦክስጅን ንምምላእ ቅድሚ ሕዚ ካብ ኣዲስ ኣበባን ባህር ዳር እናምፀአ ምፅንሑ ብምሕባር÷ ኣብ ከይዲ ዕድጊትን ምጉዕዓዝን ኣብ ዝፍጠር ምጉታት ኣብ ህይወት ሕሙማን ኣብ ሓደጋ እናወደቐ ከምዝነበረ ፀሪሖም።

ጠለብ ኦክስጅን እቲ ሆስፒታል እናዓበየ ምምፅኡ ዝገለፁ እቶም ዋና ፈጻሚ ስራሕ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መዓልቲ ክሳብ 120 ሲሊንደር ኦክስጅን ኣብ ጥቕሚ ከምዘውዕል ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.