Fana: At a Speed of Life!

ብ45 ሚሊየን ዶላር መመሓየሺ ፕሮጀክት መሰረተ ልማት ኤሌክትሪክ ተግባራዊ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተመረፃ 10 ከተማታት ፕሮጀክት ዳግመ ህንፀትን መመሓየሺ መሰረተ-ልማትን ኤሌክትሪክ ብምሕንፃፅ ናብ ስራሕ ምእታዉ ተገሊፁ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ተግባራዊ ምግባሩ ብምኽንያት ምእራግ መስመራት ዲስትሪቢዩሽን ኣብ ከተማታት እናጋጠመ ዝርከብ ፀገም ምቁርራፅን ምዝሕታልን ሓይሊ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብኽነት ቴክኒካል ሓይሊ እቲ ፕሮጀክት ንምንካይ፣ ሓደሽቲ ሓይሊ ደለይቲ ዓማዊል ንምርኻብን ፅሬት ቀረብ ሓይሊን ፅሬት ዘለዎን ዘተኣማምንን ንምግባር ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ፕሮጀክት መስመር ዲስትሪቢዩሽን ዳግመ ህንፀትን ምዕባይ ዓቕሚን ተግባራዊ ዝግበር÷ ኣብ ከተማታት ነቀምት፣ ኣምቦ፣ ሱሉልታ፣ ቢሾፍቱ፣ ኣሰላ፣ ደብረ ብርሃን፣ ዲላ፣ ሆሳእና፣ ኣሶሳን ጅግጅጋ ኢዩ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ብሓፈሻ 195 ሓደሽቲ ትራንስፎርመራት ምህናፅ፣ 1 ሺሕን 9 ትራንስፎረመራት ስራሕቲ መመሓየሺን ዓቕሚ ምዕባይን ከምኡ እውን 1 ሺሕን 107 ኪሎ ሜትሮ ዝኸውን ምስፍሕፋሕን ምምሕያሽን መስመር ማእኸላይ ቮልቴጅ ዘካትት ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.