Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ትምህርቲ መረፃ ንመሃብ ሕቶ ኣፍልጦ ንዘቕረቡ ሲቪል ማሕበራት ቀዳማይ ዙር ኣፍልጦ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ትምህርቲ መረፃ ንመሃብ ሕቶ ኣፍልጦ ንዘቕረቡ ሲቪል ማሕበራት ቀዳማይ ዙር ኣፍልጦ ከምዘሃበ ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ንመረፅቲ ትምህርቲ ዘምህሩ ማሕበራት ኣፍልጦ ንመሃብ ብዝገበሮ ፃውዒት መሰረት ብምግባር ሲቪል ማሕበራት ምልክታ ምእታዎም ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ምልክታ እተን ማሕበራት ብምግምጋም ከምኡ እውን ክማልኡ ዝግበኦም ዝተረፉ ሰነዳት ብምሕታት እናሰርሐ ምፅንሑ እቲ ቦርድ ኣገንዚቡ።

ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ቀዳማይ ዙር ኣፍልጦ ምሃቡ ተገሊፁ ኣሎ፡፡

እቶም ትካላት ቦርድ መረፃ ዘቕርበሎም ሕቶ ብምዝዛሞም ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ሲቪል ማሕበራት እንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ካልኣይ ዙር ከይዲ ምሃብ ኣፍልጦ ምስተዛዘም ተወሰኽቲ ማሕበራት ዕላዊ ከምዝኾና ገሊፁ፡፡

ቀዳማይ ዙር ኣፍልጦ ዝተውሃቦም፡-

  1. ሮሂ ወዱ ላይቭስቶክ ኮምውኒቲ ዴቨሎፐመንት
  2. ኢምፐቲ ፎር ላይፍ ዴቨሎፕመንት አሶሲየሽን
  3. ቮይስ ፎር ጀስቲስ ኤንድ ዴቨሎፐመንት ኢንተርናሽናል
  4. ሴንተር ፎር አድቫንስመንት ኦፍ ራይትስ ኤንድ ዴሞክራሲ
  5. ኮንሶርቲየም ኦፍ ኢትዮጵያን ሂውማን ራይት ኦርጋናይዜሽን
  6. ሴንተር ኦፍ ኮንሰርን
  7. ሻይኒ ዴይ ሶሻል ሰርቪስስ ኦርጋናይዜሽን
  8. መሽሩም ኢንተግሬትድ ዴቨሎፐመንት ኦርጋናይዜሽን
  9. ፍሌቨር ቱዴቨሎፕ ፐርሰን ዊዝ ዲሰብሊቲ
  10. ትካል ገባሪ ሰናይ ወለንታዊ ሓገዝ መሶበ
  11. ፊውቸር ጀነሬሽን ፎር ቨልነረብል ኤይድ ኦርጋናይዜሽን
  12. ዲሬ ኢንተግሬትድ ኮሚኒቲ ዴቨሎፕመንት
  13. ሆፕፉል ጀነሬሽን ፎር ዴቨሎፐመንት
  14. ኢትዮጵያን ሂውማን ራይት ካውንስል
  15. ረድኤት ኢኒሺዬቲቭ ፎር ዴቨሎፐመንት
  16. ኣግሮ ፓስቶራል ኢኒሺየቲቭ ፎር ድቨሎፐመንት
  17. ኢኒሺዬቲቭ ፎር ፒስ ኤንድ ድቨሎፕመንት
  18. ተርካንፊ ሰስተይኔብል ዴቨሎፕመንት
  19. ፋና ኣዲስ ትውልድ ኢትዮጵያ
  20. ፓስቶራሊስት ዌልፌር ኦርጋናይዜሽን
  21. ቮት ንኢትዮጵያዬ
  22. ዱዋው ኮሚውኒቲ ዴቨሎፕመንት ኦርጋናይዜሽን
  23. ዩዝ ኤንድ ከልቸራል ዴቨሎፕመንት ፋውንዴሽን
  24. ሄልዝ ኤንድ ሆልነስ ኢትዮጵያ ኢዮም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.