Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ደቂ ኣንስት ንምርግጋፅ ዘኽእል ስልጠና ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ መረፃ ተሳትፎ ደቂ ኣንስት ንምርግጋፅ ዘኽእል ናይ ሰለስተ መዓልቲ ስልጠና ሂቡ።

ኣመራርሓ እቲ ቦርድ ዝኾና ብዙወርቅ ከተተ፥ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ንኹሉ ዛካተተ ንምግባር ብቦርድ መረፃ እናተሰርሑ ዝርከቡ ፃዕሪታት ዝምልከት መብርሂ ሂበን።

መረፃ ንምዕዛብ ስርዓተ-ፆታ ዘድሊዮም ምኽንያታትን ዝካተቱሉ ግቡእን፣ ኣብ ከይዲ መረፃ ኣብ ኩሎም ብርኪታት ስርዓተ-ፆታ ዘማእኸለ ምዕዛብ መረፃ፣ ኣብ ከይዲ መረፃ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ማዕርነት ፆታን ዝምልከት ማዕቐፍ ሕጊ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ እዋን መረፃ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሑ መጥቃዕቲታት፣ ብዓለም ለኸ ደረጃን ብብርኪ ሃገርን ዘለዉ ማሕለኻታት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝብሉ ዛዕባታት ኣብቲ ስልጠና ከምዝተኻተቱ ተገሊፁ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ሓላፊ ክፍሊ ስርዓተ-ፆታን ማሕበራዊ ኣካታታይነትን ንተሳተፍቲ ምስክር ወረቐት ተሳትፎ ሂበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.