Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ኣብ መዓልቲ መውሃቢ ድምፂ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ስራሕ ዕፁው ከምዝኸውን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ መዓልቲ መውሃቢ ድምፂ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ካብ ክልላት ሶማሊን ሃረሪን ወፃእ ዘለዋ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ክልልን ፌዴራልን ስራሕ ዕፁው ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ 14 ሰነ 2013 ዓ.ም ዝካየድ መዓልቲ መረፃ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ፡፡

ኣብቲ ዕለት ዝተመዝገቡ ዜጋታተት ኩሎም ድምፆም ንኽህቡን ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንኽሳለጥን እቲ ቦርድ ተግባራዊ ክኾኑ ዝግበኦም ዝበሎም ግቡኣት ኣዋጅ ምዝገባ መረፃን ስነ-ምግባር ፓርቲታት ፖለቲካን ቁፅሪ 1162/2011 ዓንቀፅ 161 ናይ ምትግባር ግቡእ መሰረት ብምግባር ንመንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ

– ዜጋታት እቲ ዕለት ንመውሃቢ ድምፂ ጥራሕ ክጥቀሙሉ ስለዝግባእ ካብ ክልላት ሶማሌን ሃረሪን ወፃእ ዘለዋ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ክልልን ፌዴራልን 14 ሰነ 2013 ዓ.ም ስራሕ ንኸዓፅ፣

– ህፁፅ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት፣ ሆስፒታላት፣ ዕለታ ኣገልግሎት ዝህባ (ሆቴሎች፣ ሬስቶራንታት፣ ኣገልግሎት ትራንስፓርት..) ኣብ ዕፁው መዓልቲታት ዝህበኦ ኣገልግሎት ተመሳሳሊ እንትኸውን፥ ስራሕ ንምዕፃው ክግደዳ ኣይግባእን፣

ኣገልግሎት ትራንስፖርት ብዝተለመደ መገዲ ዝቕፅል ይኹ እምበር ዜጋታት ድምፂ ካብ ምሃብ ወፃእ ልዑል ምንቅስቓስ ዘድሊዮም ጉዳያትን መደባትን ከይተሓዙን ምንቅስቓሳት ድምፂ ንመሃብ ጥራሕ ክገብሩ ከምዝግባእን ካብቲ ቦርድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.