Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ ምርጫ ኣብ ቀፀልቲ መዓልታት 106 ሺሕን 345 ኣፈፀምቲ መረፃ ብምምልማል ከምዘሰልጥን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፀልቲ መዓልታት 106 ሺሕን 345 ሓደሽቲ ኣፈፀምቲ መረፃ ብምምልማል ከምዘሰልጥን ገሊፁ።

ብተወሳኺ ልዑል ክፍተት ኣፈፀምቲ መረፃ ኣብ ዘለውዎም ክልላት ብፍሉይ ኩነታት ንምምላእ ፃዕሪ ከምዝግበር ሓቢሩ።

ይኹን እንበር ከይዲ ምሃብ ድምፂ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ክካየደሎም ዘይኽእል ክልላት መረፃን ጣቢያታት ምርጫን ከምዘለዉ ካብቲ ቦርድ ምርጫ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ምኽኒያት ብፀገም ፀፅታ ምዝገባ መረፅቲ ዘይተኻየደሎም ከባቢታት፣ ምዝገባ መረፅቲ ተጀሚሩ ዝተቛረፀሎምን ኣብ ከይዲ እቲ ምዝገባ ዝተፈላለዩ ሕቶታት/”ኣቤቱታትት” ዝቐረበሎም ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.