Fana: At a Speed of Life!

ተሳትፎ ኢኮኖሚ ዘፈር ውልቀ ዘደንፍዕ ስራሕ ክስራሕ ኢዩ – ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈጠራ ዕድል ስራሕን ተሳትፎ ኢኮኖሚ ዘፈር ውልቀን ዘደንፍዕ ስራሕ ከምዝስራሕ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ገሊፆም።

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መድረኽ ዘተ ረቂቕ በጀት 2016 ተረኺቦም ካብ ቀዋሚ ኮሚቴን ህዝቢን ዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂ ሂቦም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ንኣፈፀምቲ ቤት ዕዮታት ድልድል በጀት ዝግበር፤ ኣንፈት ትኹረት መንግስቲ፣ ዓቕሚ ምፍፃም እተን ቤት ዕዮታት ብምርኣይ ከምኡ እውን እተን ቤት ዕዮታት ዝተውሃበን ልኡኅቶ ብግቡእ ንኽዋፅኡ ንምግባር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ዝተመደበ በጀት ብዝተወሰነ ደረጃ ኣፈፃፅማ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ቅነሳ ወኢ ክግበረሎም ዝግብኡ ወፃኢ መደባት ብግቡእ ዝፈተሸን ግቡእ መስተኻኸሊ ዝተገብረሉ ምዃኑን ኣልዒሎም፡፡

“ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ናህሪ ዋጋ ንምስትኽኻል ትካላት ብኣሰራርሓ ክሰርሓ ስለዘለወን÷ እቲ ድልድል በጀት ነዚ መሰረት ዝገበረ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ትካላት ብትሑት ኣወዳድባ ዝሐሸ ውፅኢት ምምፃእ ንኽኽእላ እናተሰርሐ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ዘሎ ማክሮ ኢኮኖሚ ዕላማ እውን ኣብ ኢኮኖሚ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ከይሰፍሕ ኣብ ምቁፅፃር ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምዕባለ ክቕፅል ምግባርን ዝተረጋገአ ኩነታት ሸርፊ ወፃኢ ምፍጣር ምኽኣል ዕላማታት ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ብየሻምበል ምህረት

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.