Fana: At a Speed of Life!

ተሳትፎ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝውስን ፀወታ ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 10 ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ (ዋሊያታት) ብኣሰናዳእነት ካሜሮን ንዝካየድ ፅዋዕ ኣፍሪካ መፃረዪ ፀወታኣ ሎሚ መዓልቲ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኮትዲቧ ክትራኸብ ኢያ።

ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀዋታ፥ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ተሳትፎ ፅዋዕ ኣፍሪካ ትውሰነሉ ኣገዳሲ ፀወታ ኢዩ፡፡

ድሕሪ ሰዓት ኣብ ዝግበር ፀወታ ዋሊያታት ካብቲ ፀወታ ነጥቢ ሒዞም ምውፃእ እንተኽኢሎም ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስታፎም ከረጋግፁ ኢዮም፡፡

ኣብቲ ፀወታ ምስዓር፣ ማዕረ ምፍልላይ ወይ ከዓ ምስ ኒጀር ትገጥም ማዳጋስካር ነጥቢ እንተደርቢያ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብቲ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝህልዋ ተሳትፎ ክተረጋግፅ ኢያ፡፡

ኢትዮጵያ ትርከበሉ ምድብ ኮትዲቧ 10 ነጥቢ ብመሓዝ ምሕላፋ ዘረጋገፀት እንትትከውን፥ ኢትዮጵያ 9 ነጥ ብመሓዝ ትስዕብ፡፡

ማዳጋስካር 7 ነጥቢ ከምኡ እውን ኒጀር 3 ነጥቢ ሒዘን ይስዕባ፡፡

ኢትዮጵያን ኮትዲባርን ኣብ ዝገበረኦ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ኢትዮጵያ 2 ን 1 ምስዓሮም ይዝከር፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.