Fana: At a Speed of Life!

ተወዳዳሪ ዓውዲ ንግዲ ንምፍጣር ቀረብ ልቓሕ ምጥዕዓም ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተወዳዳሪን ንኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ልዑል ግደ ዘለዎምን ዓውዲታት ንግዲ ንምፍጣር ቀረብ ልቓሕ ምጥዕዓም ከምዝግባእ ቤት ምኽሪ ንግዲን ዓውዲ ማሕበራትን ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ኣብ ስራሕቲ ቢዝነስ ቀረብ ልቓሕ ዘሎ ፅዕንቶ ጠመተ ብምግባር ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ማሕበረሰብ ንግዲ፣ መዳርግቲ ኣካላት ትካላት ብሄራዊ ባንኪን ፋይናንስን ይሳተፉ ኣለዉ ተባሂሉ።

ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ መሰንበት ሸንቁጤ፥ ግደ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ምዕባለ ኢኮኖሚ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ተወዳዳሪ ዓውዲ ንግዲ ንምፍጣር ቀረብ ልቓሕ ምጥዕዓም ከምዝግባእ ገሊፆም።

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.