Fana: At a Speed of Life!

ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ንኽጠናኸር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ሰላምን ድሕንነትን ዝምጥን እዋናዊ ዓቕሚ ክህልዎ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ፌዴሬኢን ኣቦ መንበር ኮሚቴ ኢታማዡር ሹማት ሓይሊታት ጦር ምብራቕ ኣፍሪካን ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ናይሮቢ ኣብዝገበሩዎ መደረ÷ እቲ ተጠባባቂ ሓይሊ ኣብቲ ካባቢ ምስ ዘሎ ኩነታት ሰላምን ፀፅታን ዝመጣጠን ቁመናን ምድላውን ንኽህልዎ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እቲ ተጠባባቒ ሓይሊ ኣብ ዝሓዝናዮ ዓመት ናይ ክልተ ሰሙን ስልጠና ትማሊ ኣብ ናይሮቢ ተኻይዱ።

ኢትዮጵያ ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምጥንኻር ኣድላዪ ሓገዝ ከምትገብር ዝገለፁ እቶም ፊልድ ማርሻል፥ ኣባል ሃገራት ፖለቲካዊ ቆራፀነተንን ዝህበኦ ሓገዝን ንኸድንፍዓ ፀዊዖም፡፡

ኣባል ሃገራት እቲ ትካል ሰልጠንቲ ብምውፋር ንዝገበረኦ ኣስተዋፅኦ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ዳይሬክተር ሴክሬታሪያት ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ብርጋዴር ጄኔራል ጌታቸው ሽፈራው ብግደኦም፥ ኣበቲ ስልጠና ዝተረኸበ ልመዲ እቲ ሓይሊ ተጠንቀቕ ቅድም ክብል ዝነበሮ ዓቕሚ ንምዕባይ ከምዝሕግዝ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ስልጠና ኮማንድ ፖስ፥ ኣካላት ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስን ሲቪል ኣካላትን ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሱዳን፣ ዩጋንዳ፣ ርዋንዳ፣ ቡሩንዲ፣ ጂቡቲ፣ ሶማሊያ፣ ሲሸልስን ኮሞሮስን ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ እቲ ትካል ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣመልኪቱ፡፡

እቶም ኢታማዡር ሹም ኣቐዲሞም ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ኬንያ ዩጂን ዋማሉዋን ሮበርት ኪቢቾ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት እቲ ትካል ንምጥንኻር ኢትዮጵያን ኬንያን ግደ መሪሕነት ንኽፃወታ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ይፍለጥ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.