Fana: At a Speed of Life!

ተፈጢሩ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ብምጥቃም ናብ ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮን ተኸላን ፈልሲን ክንኣቱ ይግባእ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፈጢሩ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ብምጥቃም ናብ ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮን ተኸላን ፈልሲን ክንኣቱ ይግባእ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ትግራይ ክረምታዊ ወፍሪ መናእሰይ ተጀሚሩ።

ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብዚ ክረምቲ ብሰናይ ተበግሶ መናእሰይ ኣብ ስራሕቲ ዳግም ህንፀት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝውገን ገሊፁ ነይሩ።

ብመሰረት እዚ÷ ሎሚ 3 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ድድባ ቁሸት ማይ ቀያሕ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣብ ዝተረኸብሉ ክረምታዊ ወፍሪ መናእሰይ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ኣብ ምጅማር እቲ ክረምታዊ ወፍሪ ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ብዙሕ ለውጢ ዝመፅአሉ ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ፤ በቲ ዝተኻየደ ኩናት ናብ ድሕሪት ዝተመለሰሉ ኩነታት ከምዘሎ ኣብሪሆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ተፈጢሩ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ብምጥቃም ናብ ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮን ተኸላን ፈልሲን ክንኣቱ ይግባእ ምባሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.